ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤትትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሰማእታት፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ብሉጽ ነጥቢ ዘመዝገቡ ተመሃሮኣ – ኣባላት 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ።

ብ1 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ሲነማ ኢምፐሮ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ካብ 3 ክሳብ ምሉእ 4 ነጥቢ ዘምጽኡ 33 ተመሃሮ ተሸሊሞም።

መስርሕ ምዕዳል ሽልማት፡ ሎሚ ዓመት ን5ይ ግዜኡ ከምእተኻየደ ዝገለጸ ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ፡ መምህር ዑቕባስላሴ ተወልደ፡ ንንፉዕ ምትብባዕ ፍናን ዘበርኽን ቅዱስ ቅንኢ ዘሐድርን ምዃኑ ኣረዲኡ። እቲ ዓወት ናይቶም ተመሃሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወለድን መማህራንን እውን ስለዝኾነ ድማ፡ ንኹሎም ዮሃናኡ ገሊጹ።

ተሸለምቲ ብወገኖም፡ ነቲ ብቤትትምህርቶም ዝተገብረሎም መተባብዒ ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ናይ ኮለጅ ትምህርቶም ሓይሊ ከምዝድርበሎም ሓቢሮም።

Categories