Author - Messi Samuel

ሓበሬታ

ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ገዛ-ባንዳ፡ ሰምበል፡ ኣኽሪያ፡ ማእከል ከተማን ዓዲ-ሓውሻን ዝዀኑ 5 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ...

ዓዲዃላ – ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ስልጠና ተዋሂቡዎም

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ፡ ንኣባላት ማሕበር ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምኡ’ውን ንኣባላት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ፡ ንኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ድኹዒን ጸረባልዕን ዝምልከት ስልጠና ተዋሂቡ። እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ – 50 ሓረስቶትን ሞያውያን...

20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብልዑል ሓበን ተዘኪራ

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ – ሰነ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ብልዑል ሓበን ተዘኪራ። ብደረጃ ሃገር፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ – ብኣዝዩ ውሱን ተሳትፎ ዝምልከቶም ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡...

ሰማእታት ኤርትራ ንምዝካር ጸሎተ ፍትሓትን ዱዓን ተኻዪዱ

ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን በጃ ንዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ንምዝካር፡ ብ19 ሰነ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ደብረ ሳህለ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል – ጸሎተ ፍትሓት፣ ኣብ መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ድማ ደርስን ዱዓን ተኻዪዱ።...

መንግስቲ፡ ንስድራ-ስዉኣት ልዕሊ 5.2 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ከፊሉ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንስድራ ስዉኣት ልዕሊ 5.2 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ከምዝኸፈለ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዳይረክተር ጨንፈር ድሕነት ስድራ-ስዉኣት ኣቶ ዘርኣይ ተኽለኣብ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበሮ...

ጀርመን – ኣብ ህልው ኩነታት ዝዘተየ ሰሚናራት ተኻዪዱ

ኣብ ጀርመን – ከተማታት ፍራንክፈርትን ካስልን፡ ኣብ ህልው ኩነታትን ኣገልግሎት ቈንስላዊ ጉዳያትን ዝዘተየ ሰሚናራት ተኻዪዱ። ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣቶ ክብረኣብ ተኸስተ፡ ንነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ህዝብን መንግስትን...

ሽዕብ – ኣመሓደርቲ፡ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ክተግሁ ተነጊርዎም

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣነባበርቲ ዓድን ክሕይል፡ ብ12 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ጻውዒት ቀሪቡ። ኣብ’ቲ ምስ ሓደስትን ነባራትን ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ዝተገብረ ርክብ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ...

ኣብ ሻምብቆ፡ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ብ13 ሰነ ዝወቕዐ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ሰብን ንዋትን ጉድኣት ኣውሪዱ። በቲ ኣብ ሰዓታት ድ.ቐ ዝተኸስተ ሓደጋ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ ዝተደኰነ መንበሪ ሰራሕተኛታትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት ምሉእ ብምሉእ...

ነበርቲ ዓዲ-ጎምቦሎ ጽርግያኦም ጸጊኖም

ኣብ ዞባ ማእከል – ነፍሒ፡ ነበርቲ ዓዲ-ጎምቦሎ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ኣወሃሂዶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ብማሽነሪ ተደጊፎም ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸጊኖም። እቲ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ – መንደፈራ ናብ ዓዶም ዝኣቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ ብምብልሻዉ፡ ኣብ...

Login

Categories