መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ – ሰነ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ብልዑል ሓበን ተዘኪራ።

ብደረጃ ሃገር፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ – ብኣዝዩ ውሱን ተሳትፎ ዝምልከቶም ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ተሰንዩ፡ ንክብሪ ጀጋኑ ሰማእታት ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሩ።

ልክዕ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ምስ ኰነ ድማ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብቐጥታ ዝተሳተፎ፡ ብድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ኤሪ-ቲቪን ዝተመርሐ፡ ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ዝክረ-ሰማእታት መደብ ተኻዪዱ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብቕድሚ ትማሊ 19 ሰነ ምሸት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ ንሰማእታቱ ብሓበን ከምዝዘከረ፡ ወኪላት ኤሪና ከካብ ቦታኡ ሓቢሮም።

Categories