ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ፡ ንኣባላት ማሕበር ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምኡ’ውን ንኣባላት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ፡ ንኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ድኹዒን ጸረባልዕን ዝምልከት ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ – 50 ሓረስቶትን ሞያውያን ሕርሻን ዝተሳተፍዎ ብግብሪ ዝተሰነየ ትምህርቲ፡ ቅልጡፍ ኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ድኹዒን ባህርያዊ ጸረ ባልዕን፡ ከምኡ’ውን ኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን ስነሂወታዊ ፈሳሲ ድኹዒ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ተወልደመድህን፡ ብቐንዱ – ሓረስቶት ባህርያዊ ድኹዒን ባህርያዊ ጸረ-ባልዕን ብምድላው፡ ካብ ወጻኢታትን ሳዕቤናት ከሚካላትን ክድሕኑ ዝዓለመ ትምህርቲ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ሰልጠንቲ፡ ኣገዳሲ ፍልጠት ከምዝቐሰሙ ብምርግጋጽ፡ እቲ ዕድል ንካልኦት ሓረስቶት እውን ክወሃብ ኣዘኻኺሮም።

Categories