ኣብ ከተማ ኣስመራ – ንኡስ ዞባ ሰምበል እትርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሰምበል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ – 35 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 66 ተመሃሮ ኣባላት 33ን 34ን ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ።

እታ ቤት-ትምህርቲ፡ ብ3 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብሉጽ ነጥቢ ዘመዝገቡ 40 ተመሃሮ 9ይን 10ይን ክፍሊ፣ ኣብ ናይ 11 ክፍሊ ሞዴል መርመራ ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ 7 ተመሃሮ እውን ብተመሳሳሊ ኣተባቢዓ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ነጋሲ ወልዱ፡ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ሽልማት፡ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ቅዱስ ቅንኢ ብምሕዳር፡ ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ክብ ንምባል ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ተሸለምቲ፡ ዝረኸብዎ ውጽኢት – ፍረ ጻዕሪ መማህራን፡ ቤት-ትምህርትን ወለድን ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ መጻኢ ብዝበለጸ ተጊሆም ንኽሰርሑ ድርኺት ከምዝፈጥረሎም ገሊጾም።

Categories