ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ገዛ-ባንዳ፡ ሰምበል፡ ኣኽሪያ፡ ማእከል ከተማን ዓዲ-ሓውሻን ዝዀኑ 5 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,810 በጺሑ ኣሎ።

እዚኣቶም፡ 9,691 ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 16 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 05 ሓምለ 2022

Categories