ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ብ13 ሰነ ዝወቕዐ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ሰብን ንዋትን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ኣብ ሰዓታት ድ.ቐ ዝተኸስተ ሓደጋ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ ዝተደኰነ መንበሪ ሰራሕተኛታትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ እንከሎ፡ ሓደ ኣባል ፈኲስ ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዝወረዶ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኩባንያ ኣቶ ገብረትንሳኤ ኣብርሃ ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ክፋል ናይ’ታ ሓውሲ ከተማ እውን፡ ሓደ ሰብኣይ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ክወርዶ እንከሎ፡ ጽገና ተገይሩሉ ንኣገልግሎት ድሉው ዝነበረ መስመር ኤለክትሪክ ኣዕኑዱ ከምዝወደቐ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ገለ ክፍልታት ቤትትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ‘ሓወልቲ’ ዚንጎታቱ ተቐንጢጡ፣ ብርክት ዝበለ ኣጓዱ ፈሪሱ፣ ቁጽረን ዘይተረጋገጸ ጤለ-በጊዕ ድማ ሞይተን።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ብሹኳ – ገዛ-ጎባይ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ኣብ ዝርከብ ቦታ ያታዊ ዕደና ካብ ዝተዋፈሩ ሰባት ድማ፡ ሓደ ዜጋ ዛጊት ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories