ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣነባበርቲ ዓድን ክሕይል፡ ብ12 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ምስ ሓደስትን ነባራትን ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ዝተገብረ ርክብ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝሰላሰሉ ዘለዉ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ፡ ቀረብ ማይ ንምቅላል ኣብ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታትን ዘለዉ ብድሆታትን ድማ ብፍላይ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ዝውጠኑ መደባት ብዘይ ንጡፍ ተሳታፍነት ህዝቢ ሸቶኦም ክወቕዑ ስለዘይክእሉ፡ ኣመሓደርትን ኣነባበርቲ ዓድን ብኣድማዕነት ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።

ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪ ጥዕናን ትምህርትን ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ድማ፡ ሓደስቲ ኣመሓደርቲ – ምስ ኣገባባትን ውጥናትን ስራሕ ብዝቐልጠፈ ክወሃሃዱ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጽላት ዘለዉ ብድሆታት ክፍትሑ ለበዋታት ኣሕሊፎም።

ተሳተፍቲ፡ ቀረብ ማይ ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደየሉ፣ ኩነታት ማሕበር ሓረስቶት መዕለቢ ክግበረሉ፣ ስርዓተ-ስታስቲክስን ሓበሬታን ብዕቱብ ክስራሓሉ፣ ብፍግረመሬት ዝተሃስየ ከባቢታት ቈላሕታ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories