Category - Newspapers

ዓሰብ – ኣብ መስመራት ኤለክትሪክ ምትዕርራይ ይግበር ኣሎ

ዓሰብ – ኣብ መስመራት ኤለክትሪክ ምትዕርራይ ይግበር ኣሎ

ምምሕዳር ከተማ ዓሰብ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ ዝጸንሐ ናይ ጐደና መብራህትን መስመራትን የተዓራርን ብሓድሽ ይትክእን ኣሎ። ኣብ’ቲ ምምሕዳር ግዝያዊ ሓላፊ ትሕተቅርጺ ኢንጅነር ሳሙኤል ዘርኣብሩኽ፡ መሬት ናይ’ቲ ከባቢ ጨዋም ብምዃኑ፡...

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ተዘራሪቡ

ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ጁባ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት...

ተሰነይ – ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ

ተሰነይ – ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ

ማእከል ጥዕና ከተማ ተሰነይ ብእተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፡ ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ፡ ሓላፊ’ታ ማእከል ጥዕና ኣቶ በርሀ ሓድጉ ሓቢሩ። እታ ማእከል ኣብ ርእሲ’ቲ እትህቦ ልሙድ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምክትታል ጥዕና...

ዓረዛ – 21 ንፉዓት ተመሃሮ ተሸሊሞም

ዓረዛ – 21 ንፉዓት ተመሃሮ ተሸሊሞም

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ዘመዝገቡ 5 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 21 ተመሃሮ፡ ዞባዊ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዓዲሎም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ...

ማእከል – ነበርቲ ምም/ከባቢ ዓዲ-ንፋስ፡ ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ስራሓት የካይዱ

ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ኣኽርያ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ንፋስ ካብ 26 ሚያዝያ ጀሚሮም ንክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት የሰላስሉ ኣለዉ። ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ምምሕዳር...

ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ ዝናብ ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ ዝናብ ጉድኣት ኣውሪዱ

ብ3 ግንቦት ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ዝሃረመ በረድን ንፋስን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ኣባይቲ፡ ጀራዲንን ሃብቲ ገረብን ጉድኣት ኣውሪዱ። በቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወቕዐ ዝናብ፡ ዚንጎታት ናይ 3 ክፍልታት ክቕንጠጥ እንከሎ፡ ኣብ...

Login

Categories