ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ጁባ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ንጸጥታዊ ጉዳያት – ቱት ጋትልዋክ ተዘራሪቡ።

እቲ ዘተ፡ ብቐንዱ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ዘተኰረ ኰይኑ፡ ሱዳናውያን ወገናት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን መስርሕ ምስግጋር ብዓወት ንምዝዛም ጽኑዕ መሰረት ከንብሩን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ንዝገብራኦ ዘለዋ ደገፍ ዛዕባ ዝገበረ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ተረኺቦም ነይሮም።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ5 ግንቦት መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ከምዘብጽሐ ዝዝከር እዩ።

Categories