ማእከል ጥዕና ከተማ ተሰነይ ብእተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፡ ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ፡ ሓላፊ’ታ ማእከል ጥዕና ኣቶ በርሀ ሓድጉ ሓቢሩ።

እታ ማእከል ኣብ ርእሲ’ቲ እትህቦ ልሙድ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምክትታል ጥዕና ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት፡ ኣገልግሎት ቅድሚ ሕርሲን ስሩዕ ክታበት ህጻናትን እውን ከምእተተኲር፣ እዚ ድማ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደን ህጻንን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ነፍሰ-ጾራት ክሳብ ትሽዓት ግዜ ክትትል ቅድሚ ሕርሲ ክገብራ ዝተኻየደ ጐስጓስ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ዝሓበረ ኣቶ በርሀ፡ መጠን ኩነታት ጥዕናአን ዝከታተላ ኣዴታት ኣስታት 88 ሚእታዊት፣ ሸፈነ ክታበት ድማ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።

ኣቶ በርሀ፡ ኣብ’ታ ትካል ዘሎ እኹል ክኢላዊ ዓቕምን ቀረብ መድሃኒትን፡ ምስ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ተደሚሩ ኣብ ምዕዋት መደባቶም ዕዙዝ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ሓሓሊፍካ ዝርአ ሕርሲ ኣብ ገዛ ንምውጋድ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ተገልገልቲ ድማ፡ ዝግበረለን ክትትል ቅድሚን ድሕሪን ሕርሲ፡ ከምኡ’ውን ብሞያውያን ዝወሃበን እኹል ሓበሬታ፡ ጥዕናአን ተሓልዩ ጥዑይ ዕሸል ንኽገላገላ ኣዝዩ ሓጋዚ ኰይኑ ከምዝረኸባኦ ገሊጸን።

Categories