ብ3 ግንቦት ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ዝሃረመ በረድን ንፋስን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ኣባይቲ፡ ጀራዲንን ሃብቲ ገረብን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወቕዐ ዝናብ፡ ዚንጎታት ናይ 3 ክፍልታት ክቕንጠጥ እንከሎ፡ ኣብ ደረጃ ምብሳል በጺሑ ዝነበረ ልዕሊ 200 ኩንታል ዝግመት ፍረ ማንጉስ ከምእተበላሸወ ተፈሊጡ።

በቲ ሓደጋ፡ ኣብ ሰብ ይኹን ጥሪት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ነበርቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ’ቲ ከባቢ ከም’ዚ ዝበለ ብርቱዕ ዝናብ ወቒዑ ከምዘይፈልጥ ገሊጾም።

Categories