ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ኣኽርያ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ንፋስ ካብ 26 ሚያዝያ ጀሚሮም ንክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት የሰላስሉ ኣለዉ።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣቶ ሽደን ፍጽሓጽዮን፡ መዓልታዊ ልዕሊ 250 ሰባት እናወፈሩ፡ ነፍሲ-ወከፎም 8 ሜትሮ ቁመትን ሓደ ሜትሮ ጎድኒን ዘለዎ ዛላታት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ብጠቕላላ 31 ሄክታር ንምዝላይ መደብ ከምዘሎ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድማ ልዕሊ ክልተ ሄክታር ከምእተዓመ ብምሕባር ከኣ፡ እቲ ስራሕ ኣብ ምርጋእ ኣከባቢ እወታዊ ጽልዋ ንኽህልዎ – ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉ ተላብዩ።

እቶም ወፋሮ፡ ምስ ምጅማር ክራማት ኣግራብ ንምትካል ወጺኡ ዘሎ መደብ ንምዕዋት፡ እኹል ፈልሲታት ክዳሎ ኣዘኻኪሮም።

ዝሓለፈ ዓመት ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ ስራሕ፡ ልዕሊ 17 ሄክታር መሬት ክዛለ እንከሎ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ሰነዳት ቤትጽሕፈት ሕርሻ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲንፋስ የረድኡ።

Categories