ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ዘመዝገቡ 5 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 21 ተመሃሮ፡ ዞባዊ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዓዲሎም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ኣስመሮም እስቲፋኖስ፡ ኣብ ትምህርቶም ጸብለልታ ዘርኣዩ ተመሃሮ ንመዘኑኦም ኣርኣያ ክኾኑ ብዝብል ዕላማ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ – ብደረጃ ዞባ ደቡብ ሽልማት ዒንደማሶ ከምዝዕደል ብምሕባር፡ እቲ ሽልማት – ተመሃሮ ኣብ ዝቕጽል ትምህርቶም ተወዳደርትን ዕዉታትን ኰይኖም ንክቕጽሉ ሓጋዚ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣቶ ርእሶም ክፍለማርያም፡ ሃማመተኤ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርትን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ብምትሕብባር፡ ዓቕሚታት መንእሰያት ንምጉልባት ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ሞጒሱ።

ወለዲ ንደቆም ናብ ትምህርቲ ክልእኩን ዘድሊ ምክትታልን ምትብባዕን ክገብሩሎምን ድማ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ዕለት ብዘይካ’ዚ፡ ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእስን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዝሰልጠኑ 293 መንእሰያት ከምእተመረቑ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories