ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ተኣላዪ ስንኩል – ገዲም ተጋዳላይ የማነ ዮውሃንስ ካሕሳይ (ወዲ ቐሺ)፡ ብ4 ግንቦት ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ተጋዳላይ የማነ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ የማነ ዮውሃንስ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ብ4 ግንቦት ሰዓት 4፡00 ድ,ቐ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ የማነ ዮውሃንስ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories