Author - Staff

ኣብ መንደፈራን ሃይኮታን ልምዓታዊ ንጥፈታት ተሰላሲሉ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን ሃይኮታን፡ ጥብ ዝበለት ማይ ኣብ ምዕቃብን ፍግረ-መሬት ኣብ ምክልኻልን ዘተኰረ – ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ቀላጥ ከባቢታትን ማእቶታዊ ንጥፈታት ተሰላሲሉ። ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ...

ደቀምሓረ – ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ንኣስታት 70 ኣሳሰይቲ – ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ HIV/ኤይድስ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ። ነቲ ስልጠና ዝሃበት ሲስተር ኣልጋነሽ ተስፋይ ካብ ሆስፒታል ደቀምሓረ፡...

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ማይ-ሓባር 179 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ማይ-ሓባር፡ ብ9 ዓውድታት ከተምህሮም ዝጸንሐት 46 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 179 ተመሃሮ፡ ትማሊ 12 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ። ተመረቕቲ፡ ን2 ዓመት ብኣውቶመካኒክ፡ ስነ-ህንጻ፡ ንድፊ፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ድራውሊኮ፡ ሓፈሻዊ ስርሓት ሓጺን፡...

ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ ተኽለየሱስ፡ ብ10 ሰነ 2018 ብሕማም ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ኢደ- ስራሓትን ኣሃዱታት...

ደቂ-ኣንስትዮ ደርቡሸት፡ ሕጽረታት ኣገልግሎት ጥዕና ክማላእ ይሓታ

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ደርቡሸት – ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ መነባብሮኦም ብሓፈሻ ኣብ ጥዕና ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ መስተርሆት ከምዝፈጠረ ገሊጾም። መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ክሳብ ኣብ’ቲ ምሕዱግ ከባቢታት ከይተረፈ መሰረታዊ...

ን/ዞ/ሃበሮ – ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ ይሕተት

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታት ጠንቂ ራሕቂ ካብ ትካላት ጥዕና ኮይኑ ብምህላዉ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ፡ ሓላፊ ማእከል ጥዕና ሃበሮ ነርስ ይርጋኣለም ተስፋኣለም ኣገንዚቡ። ቅርጺ መሬት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባን ዘይምጥርናፍን ኣብ ዝርጋሐን ኣቕርቦትን ትካላት...

ዓዲ-ቐይሕ – ንኣጠቓቕማ ባህርያዊ ድዂዒ ዝምልከት ስልጠና ተዋሂቡ

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ንብልጫን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ድዂዒ ከምኡ’ውን ኣበርክቶኡ ኣብ ምስሳን እቶታዊነት ብዝምልከት – ንኣብነታውያን ሓረስቶት ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና ተዋሂቡ። እቲ ትምህርቲ፡ ባህርያዊ ድዂዒ ንምድላው ኣብ ዘድሊ ቀረባትን ኣገባብ...

ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ ጉባኤ ኣቃኒዑ

ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ብ9 ሰነ ኣብ ኣስመራ 4ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ እቲ ማሕበር – ኣብ ምንዳፍ ፖሊሲን መምርሕን ኣብያተ...

ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ 128 ተመሃሮ ኣመሪቓ

ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ብኣርባዕተ ዓውድታት ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 128 ተመሃሮ ብ7 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ። 65 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም ተመረቕቲ፡ 22 ብኣግሮ-መካኒክ፡ 37 ብስነ-እንስሳ፡ 37 ብስነ-ኣትክልቲ፡ 32 ድማ ብስነ-ምዕቃብ ሓመድን...

ዓንሰባ – ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ኣሎ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ መሻርኽቱ ኣካላትን ሓረስቶትን ተወሃሂዱ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕ፡ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ብቚሊ ኣቶ ዜናዊ ዕቝባኣብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ...

Login

Categories