ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ንኣስታት 70 ኣሳሰይቲ – ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ HIV/ኤይድስ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ።

ነቲ ስልጠና ዝሃበት ሲስተር ኣልጋነሽ ተስፋይ ካብ ሆስፒታል ደቀምሓረ፡ ዕላማ’ቲ ስልጠና – ንቕሓት ብምብራኽ ጥዕና ዜጋታት ንምሕላው ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ጠንቂን ሳዕቤናትን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት – ብቐንዱ ድማ ኣብ ኤይድስ ዓሚቚ መብርሂ ሂባ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ተሳተፍቲ ብዝቐሰማኦ ትምህርቲ ከባቢአን ክጸልዋ ኣዘኻኺራ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠና ዝቐሰሙ 145 መንእሰያት ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ስነ- ስርዓት፡ ስልጠና ኮምፕዩተር ግራፊክስ ዝተኸታተላ 65 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝቐሰማኦ ፍልጠት ብስራሕ ብምምዕባል ናብራአን ንምምሕያሽ ከምዝጽዕራ ገሊጸን።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ የማነ ኣበራ፡ ሰልጠንቲ ኣብ ከባቢኦም ኣብነት ለውጢን ጻዕሪን ክኾኑ ተላብዩ።

Categories