ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ መሻርኽቱ ኣካላትን ሓረስቶትን ተወሃሂዱ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕ፡ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ብቚሊ ኣቶ ዜናዊ ዕቝባኣብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ቅድሚ ምኽሳቱ፡ ብዛዕባ ባህሪያቱ፡ ተመሳሳልነቱ ምስ ካልኦት ባልዓት፡ ከምኡ’ውን ዘጥቅዖ ዘራእትን ዝጠፍኣሉ ኣገባባትን፡ ብተንቀሳቓስን ደርቕን ስእሊ ተሰንዩ ንሓረስቶት ዝተዋህበ ሓበሬታዊ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ምቕልቃል ናይ’ቲ ባልዕ፡ ሓረስቶት ቅልጡፍን ኣድማዒን መልሰ-ግብሪ ክወስዱ ከም ዝሓገዘ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ዞባ ብዝተወስደ ቅልጡፍ ስጒምቲ፡ በቲ ባልዕ ዝተጠቕዐ ልዕሊ 66 ሄክታር ዘራእቲ ከምዝተቓጸለ ብምሕባር፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ሓረስቶት ሰሪጹ ዘሎ ንቕሓት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

“ተርእዮ ናይቲ ባልዕ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ’ሎ” ዝበለ ኣቶ ዜናዊ፡ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ምስ ሓደገኛ ባህሪ ናይ’ቲ ባርኖስ ብምዝማድ ዘዛኒ ከም ዘይኰነን፡ ሓረስቶትን ክኢላታትን ንክራማት ኣብ ግምት ዘእተወ ምክትታልን ጻዕሪን ከዛይዱ፡ ሓረስቶት ድማ ብፍላይ ምቅይያር ኣዝርእቲ ከዘውትሩ፡ ከምኡ’ውን ኣዕሚቖምን ርሕቐት ሓልዮምን ክዘርኡ ተላብዩ።

Categories