ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታት ጠንቂ ራሕቂ ካብ ትካላት ጥዕና ኮይኑ ብምህላዉ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ፡ ሓላፊ ማእከል ጥዕና ሃበሮ ነርስ ይርጋኣለም ተስፋኣለም ኣገንዚቡ።

ቅርጺ መሬት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባን ዘይምጥርናፍን ኣብ ዝርጋሐን ኣቕርቦትን ትካላት ጥዕና ጸገማት ስለዝፈጥር፡ ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 34 ኪሎ-ሜተር ክጓዓዝ ይግደድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ተን ራሕቂ ዘለወን ዓድታት መዝረት፡ ኣልጋዕታ፡ ስርጉል፡ ሽልሓትን እምባህራን – ትካላት ጥዕና ምስራሕ ኣዝዩ ከቢድን ኣብ ሓጺር እዋን ክትግበር ዘይክኣልን ስለዝኾነ፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ማእከላይ ቦታ ብምምራጽ ምጥርናፍ ብምዃኑ፡ ምምሕዳራት ልዑል ጠመተ ክህባኦ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓንቲ ማእከል ጥዕናን ሰለስተ መደበራት ጥዕናን ኣብ ፍልፍለ፡ ሃበሮ ጻዕዳ፡ ኣፍዓዩንን ዓሪታይን ከምዘለዋ፡ ኣብ’ተን ራሕቂ ዘለወን ዓድታት ሃበሮ ጸሊም፡ ቃርዖበልን ገለትን ድማ ሞያውያን ብምንቅስቓስ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕብረተሰብ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ክብ ንምባል ብዝካየድ ጻዕሪ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝሓርሳ ኣደታት ቊጽሪ እናበረኸ ከምዝመጸ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ’ዚ ዓመት ድማ ብ18 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

Categories