ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን ሃይኮታን፡ ጥብ ዝበለት ማይ ኣብ ምዕቃብን ፍግረ-መሬት ኣብ ምክልኻልን ዘተኰረ – ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ቀላጥ ከባቢታትን ማእቶታዊ ንጥፈታት ተሰላሲሉ።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፍዎ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ እናተወፍረ ዝተኻየደ ስራሕ፡ ከትርታትን መትረባዊ ዛላታትን ምስራሕ፡ ከምኡ’ውን ማይ-ክዖታት ምፍዋስ ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ – ተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ብዘካየድዎ ተመሳሳሊ ንጥፈት፡ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንክራማት ከምእተዳለወ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዘተኰረ ስራሕ፡ ኣብ ኣከባቢ እወታዊ ጽልዋ ዝፈጥር ስለዝኾነ፡ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ውዳበታት ከተግብርዎ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

***

Categories