ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ብኣርባዕተ ዓውድታት ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 128 ተመሃሮ ብ7 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ።

65 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም ተመረቕቲ፡ 22 ብኣግሮ-መካኒክ፡ 37 ብስነ-እንስሳ፡ 37 ብስነ-ኣትክልቲ፡ 32 ድማ ብስነ-ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ልምዓት መስኖ ዝተማህሩ’ዮም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ሓላፊ’ታ ቤት-ትምህርቲ ሓው ኢሳይያስ ጸጋይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመሃሮ፡ ስነ-ምግባርን ዘተኣማምን ፍልጠትን ዓጢቖም ንኽወጽኡ ሓያል ጻዕሪ ከምዝካየድ ጠቒሱ፡ ተመረቕቲ ትምህርቶም ብልዑል ተገዳስነት ከምዝተኸታተሉ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴክኒካውን ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ኣቶ ተስፋይ ስዩም ብወገኑ፡ ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ- ሰብ ንእትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ብምምጓስ፡ ተመረቕቲ፡ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብስራሕ ብምምዕባል መጻኢኦም ከውሕሱን ኣብ ዝካየድ ልምዓታዊ መደባት ተራኦም ከበርክቱን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ሎሚ ዓመት ንመበል 18 ግዜኣ ተመርቕ ዘላ ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ዛጊት 873 ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከብኦም 2417 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ዓውደ ሞያታት ከምዘመረቐት ሰነዳታ የመልክት።

Categories