Author - Staff

ኣብ ን/ዞ/ሓልሓል ልምዓታዊ ወፈራታት ይካየድ ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ብውሕጅ ዝተባሕጎጐ መስመራት መጐዓዝያ ንምትዕርራይን ብፍግረ-መሬት ዝተሃስየ ከባቢታት ንምፍዋስን፡ ኮም ዘማእከለ ወፈራዊ ማእቶት ይካየድ ኣሎ። እቲ ወፈራ፡ ብውሕጅ ንዝተባሕጎጐ መስመር ሓልሓል – እንረኩበት – መለብሶ...

ደ/ቀ/ባሕሪ – ስሉጥ ኣገልግሎት ምሕደራ ንምርግጋጽ ይስራሓሉ

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሉጥን ጽፉፍን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ፡ ብቕዓት ኣመሓደርትን ኣነባበርትን ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንምሕያል ክስራሕ ምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ሓቢሩ። ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ብ14 ነሓሰ፡ ምስ...

ህዝቢ ዳንዴረ-ገነት፡ ዝዓረቐ መሬቱ ብኣግራብ ይትልብብ

ነበርቲ ዳንዴረ-ገነት – ምምሕዳር ከባቢ በራኽ፡ ዝዓረቐ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ – ዝጀመርዎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ብዕቱብ ይቕጽልዎ ኣለዉ። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ...

ኣመሓዳሪ ዞ/ጋሽ-ባርካ፡ ትግባረ መደባት ስራሕ ምክትታል ክግብረሉ ጸዊዑ

ኣድማዕነት ትግባረ መደባት ስራሕ ንምርግጋጽ፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይ ምክትታል ኣሰራርሓ ከሐይሉ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ጸዊዑ። ምምሕዳር ዞባ ብ15 ነሓሰ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዘቃነዖ ገምጋም ኣፈጻጽማ መደባት፡ ኣቶ ፍስሃየ፡ ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ...

ሓረስቶት፡ ኣብ ምንጻግ ጸረ-ባልዕ ክጥንቀቑ ሚ/ሕርሻ ኣዘኻኺሩ

ሓረስቶት፡ ኣብ እዋን ምንጻግ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት፡ ግዜ ዝሓለወ፡ ጽሬት ዘማልአ፡ ኩነታት ኣየርን ካልእን ኣብ ግምት ዘእተወ ውሕሉል ኣገባብ ክጥቀሙ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር ሕርሻዊ ከሚካላት ኣቶ ቃልኣብ ሃይለ ጸዊዑ። ጸረ-ባልዕ፡ ንምክልኻልን...

ልኡኽ መንግስቲ ጃፓን ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዘትዩ

ብስቴት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን መራኸቢታትን ሚስተር ሺንሱኬ ኦኩኖ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ጃፓን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። እቲ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ፈጻሚ ዳይረክተር ላዕለዋይ ትምህርቲ ዶክተር...

ሚላኖ – መስርሕ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻዪዱ

ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ሚላኖ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ንመስርሕ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎም ደገፍ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊጾም። እቶም ሰልፈኛታት፡ ሰላም መሰረት ዘላቒ ምዕባለ ምዃኑ ብምሕባር፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ...

Login

Categories