ብስቴት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን መራኸቢታትን ሚስተር ሺንሱኬ ኦኩኖ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ጃፓን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ፈጻሚ ዳይረክተር ላዕለዋይ ትምህርቲ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን መራኸቢታትን ክግበር ኣብ ዝከኣል ምትሕግጋዝ ብሰፊሑ ዘትዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዮኮሃማ – ጃፓን ዝካየድ 7ይ ‘ኣህጉራዊ ዋዕላ ቶክዮ ንምዕባለ ኣፍሪቃ’ ማለት ‘TICAD’ን ኣገዳስነት ተሳታፍነት ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ጃፓን ኣብ 2025 ከተአንግዶ ትዳለወሉ ዘላ ‘ኤክስፖ ኦሳካ’ን ዘተኰረ ምይይጥ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ6 ነሓሰ ብስቴት ሚኒስተር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሚስተር ማሳሂሳ ሳቶ ንዝተመርሐ ልኡኽ ጃፓን ተቐቢሉ ምዝርራቡ ይዝከር።

Categories