ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሉጥን ጽፉፍን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ፡ ብቕዓት ኣመሓደርትን ኣነባበርትን ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንምሕያል ክስራሕ ምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ብ14 ነሓሰ፡ ምስ ሓለፍቲ ክፍልታት ዞባን ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን፡ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ዕማም ኣካላት መንግስቲ ብብዝሒ ዝካየደሉን ምስ ህዝቢ ብቐረባ ዘራኽብን ኣገዳሲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብምዃኑ፡ ናብ ከባቢታትን ዓድታትን ዝቐንዐ መደባት ብኣድማዕነት ንኽትግበር፡ ምስ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣነባበርቲ ዓዲን ብምውህሃድ ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባብን ኣነባበርቲ ዓድታትን፡ ኣብ መደባት ልምዓት ናይ ምእላይን ምምእዛዝን ሓላፍነት ስለዘለዎም፡ ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ ዝሰላሰሉ መደባት እኹል ኣፍልጦን ሓበሬታን ዝሰንቁሉ ስልጠናታት ክውደብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ኣደም ዓሊ እውን፡ ንምምሕዳራት ከባቢን ዓድታትን ከምኡ’ውን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ምሕያል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories