ሓረስቶት፡ ኣብ እዋን ምንጻግ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት፡ ግዜ ዝሓለወ፡ ጽሬት ዘማልአ፡ ኩነታት ኣየርን ካልእን ኣብ ግምት ዘእተወ ውሕሉል ኣገባብ ክጥቀሙ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር ሕርሻዊ ከሚካላት ኣቶ ቃልኣብ ሃይለ ጸዊዑ።

ጸረ-ባልዕ፡ ንምክልኻልን ምቊጽጻርን ባልዓት ዝዳሎ መድሃኒት ኮይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ሓረስቶት ብግቡእ ምስ ዝጥቀሙሉ፡ ኣብ እቶታውነት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ፡ እቲ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ዘይውሕሉል ምስ ዝኸውን ግን ከቢድ ሳዕቤናት ከምዘኸትል ዝገለጸ ኣቶ ቃልኣብ፡ ሓረስቶት – ጸረ-ባልዕ ክነጽጉ ቅድሚ ምውሳኖም ኣብ ቀረባኦም ንዝርከቡ ክኢላታት ክውከሱ፡ ክጥቀሙ ኣብ ዝውስኑሉ እዋን ድማ፡ ጥዕና ሰብ፡ እንስሳን ኣከባብን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣነጻጽጋ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።

ጸረ-ባልዕ፡ ሕማማት መንሽሮን መትኒታትን፡ ከምኡ’ውን ናይ ወሊድ ጸገማት ዘጠቓልል ጥዕናዊ ሳዕቤናት ስለዘለዎ፡ ሓረስቶት ጸረ-ባልዕ ኣብ ምንጻግን ምቕማጥን ዝተጠቀሙሉ መትሓዚታት ናብ ካልእ መዓላ ከየውዕልዎን ኣብ ቀረባኦም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ከረክብዎን፡ ኣቶ ቃልኣብ ብተወሳኺ መኺሩ።

“ጸረ-ባልዕ መድሃኒት፡ ከም ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ’ዩ ክውሰድ ዝግባእ’’ ዝበለ ኣቶ ቃልኣብ፡ ሓረስቶት ኣብ ግዜ ማሕረስ – መሬቶም ብግቡእ ክገላብጡ፡ ግራውቶም ብጽሬት ክሕዙ፡ ብፍላይ ድማ ምቅይያር ኣዝርእቲ ኣብ ምስባር ዑደት ሂወት ባልዓት ልዑል ተራ ከምዝጻወት ተገንዚቦም ከዘውትርዎ ተላብዩ።

ኣፍልጦ ሓረስቶት ኣብ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ ንምብራኽ ዝተፈላለየ ስልጠናታት ከምዝውደብ ብምሕባር ከኣ፡ ንስነ-ፍልጠታውን ውጽኢታውን ኣገባባት፡ ሓረስቶት ምስ ክኢላታት ሕርሻ ዘለዎም ርክብ ከደልድሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories