Author - Staff

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ንጥፈታት ሕርሻ ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጥፈታት ሕርሻ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ብ31 ሓምለ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ መንፈቓዊ ገምጋም ምምሕዳር ዞባ ተሓቢሩ። ኣብ’ቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን ማሕበራትን – ጸብጻብ ንጥፈታት ስርሐን...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንላዕለዎት ልኡኻት ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ንዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። እቲ ብ6 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ...

ደቡብ – ንጥፈታት ምቍጽጻር ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ውጽኢት ሂቡ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ዝተሰላሰለ ዕማምን ዝተወስደ ስጒምቲን ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ፡ ንጥፈታት ሕርሻ ንምግምጋም ብ31 ሓምለ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቢሩ። ኣብ’ቲ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ...

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ብጉድለት ክታበት ዝኽሰቱ ሕማማት ተወጊዶም

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዝተኻየደ ጐስጓሳትን ዝተሰላሰለ መደባት ክታበትን፡ ብጉድለት ክታበት ዝስዕቡ ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተወገዱ ተሓቢሩ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ሓላፊ ኣሃዱ ስድራ-ቤትን ኮምን ኣቶ ዘድንግል ጎርጐርዮስ፡ ትሕቲ 5 ዓመት...

ሞልቊ – ዘራእቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ጽቡቕ ዓቐንን ዝርጋሐን ዘለዎ ዝናብ ይወቅዕ ብምህላዉ፡ ምስ’ቲ ሓረስቶት ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ምድላዋት፡ ዘራእቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ። ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝናብ ካብ ወርሒ ግንቦት ስለዝጀመረ፡ ትራክተራት...

Login

Categories