ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጥፈታት ሕርሻ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ብ31 ሓምለ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ መንፈቓዊ ገምጋም ምምሕዳር ዞባ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን ማሕበራትን – ጸብጻብ ንጥፈታት ስርሐን ብመንጽር ዝነበረ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ዘቕረባሉ ኣኼባ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ፎሮ፡ ሽዕብ፡ ጊንዳዕ፡ ኣፍዓበትን ባጽዕን ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ፡ ካብ ከበሳ ብዝወረደ ወሓይዝ ከምዝሰተየ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ብደረጃ ዞባ ኣስታት 33 ሽሕ ሄክታር ከም እተሓርሰን፡ 84 ሚእታዊት ካብኡ ከም እተዘርአን ተገሊጹ።

ኣብ እዋን ሓጋይ ዝተኻየደ ሕርሻዊ ንጥፈት ብሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ብምጥቅዑ፡ ሓረስቶት ሕጽረት መግቢ እንስሳ ኣጋጢምዎም ምንባሩ ዝጠቐሰ’ቲ ጸብጻብ፡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ሽዕብ፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕን ፎሮን ብኣብዑርን ጉልበት ሰብን ኣድማዒ ወፈራታት ከምእተኻየደ፡ ንኣብነታውያን ሓረስቶት ካብ ዝተዓደላ 100 ናይ ጸባ ከብቲ – እተን 32 ወሊደን ምራኹተን ንካልኦት ሓረስቶት ከምእተዋህባ ኣብሪሁ።

ኣብ ህንጻዊ ስራሓት ድማ፡ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ጻብራ ከም እተዛዘመት፡ ኣብ ነፋሲት፡ ጊንዳዕን ማይሓባርን ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ትሕተ-ቅርጺ ይማልኣለን ከምዘሎ፡ ፕሮጀክታት ማይ ገልዓሎን ኢራፈለን ከምኡ’ውን መደበር ጥዕና ዔላባቡ ህንጻዊ ስራሓቱ ከምእተጻፈፈ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ 12 ራህያታት ንምስራሕ ዝተበጋገሰ ስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ስፖርትን ዕቃበ ቅርስታትን ዝተሰላሰለ መደባት፡ ዝነበረ ሕጽረታትን ብድሆታትን እውን ብዝርዝር ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣብ ዝትግበር መደባት ስራሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ክብ ንምባል፡ ተራ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ክዓዝዝ ብምዝኽኻር፡ ሰራሕተኛታት ሰዓታት ስራሕ ብምኽባር ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ክህቡ ምእንቲ፡ ምምሕዳር ዞባ ብዕቱብ ሒዝዎ ካብ ዘሎ መደባት ምዃኑ ኣነጺሩ።

Categories