ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዝተኻየደ ጐስጓሳትን ዝተሰላሰለ መደባት ክታበትን፡ ብጉድለት ክታበት ዝስዕቡ ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተወገዱ ተሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ሓላፊ ኣሃዱ ስድራ-ቤትን ኮምን ኣቶ ዘድንግል ጎርጐርዮስ፡ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናትን ቈልዑን በብኸባቢኡ ቊጽሮም ብልክዕ ተፈሊጡ እቲ ግቡእ ክታበት ክረኽቡ ክካየድ ዝጸንሐ ወፍሪ ኣድማዒ ብምንባሩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ተርእዮ ብጉድለት ክታበት ዝስዕቡ ሕማማት ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ትካል ጥዕና ናይ ዝሓርሳ ነብሰ-ጾራት ቊጽሪ 64 ሚእታዊት በጺሑ ከምዘሎ፡ ከም ውጽኢቱ – ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ከጋጥም ዝጸንሐ ሞት ኣዝዩ ከምዝነከየ ብምሕባር ድማ፡ እዚ ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ብድሆታት መጓዓዝያን ክሊማን ክርአ እንከሎ ዕዉት ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ እንድላልን ባቕላን፡ ዓቕሞም ኣወሃሂዶም መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ይሃንጹ ምህላዎም መርኣያ ሰሪጹ ዘሎ ንቕሓት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ዘድንግል፡ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ቅሮራን ኣዶብሓን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ክወስዱ ጸዊዑ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ መጠን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕክምና ዝሓርሳ ነብሰ-ጾራት ካብ 42 ሚእታዊት ናብ 89 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ እዚ ዓወት’ዚ ከም ተመኲሮ ተወሲዱ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ሽዕብን ጊንዳዕን ክስራሓሉ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሳላ ሓያል ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣገዳስነት ክታበት፡ ሕማማት ንፍዮን ፖልዮን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከምዝኣተዉ፡ ሰነዳት ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና የረድኡ።

Categories