ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ጽቡቕ ዓቐንን ዝርጋሐን ዘለዎ ዝናብ ይወቅዕ ብምህላዉ፡ ምስ’ቲ ሓረስቶት ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ምድላዋት፡ ዘራእቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝናብ ካብ ወርሒ ግንቦት ስለዝጀመረ፡ ትራክተራት ከይተጸበዩ ብዘለዎም ኣብ እዋኑ ከምዝሓረሱን ከምዝዘርኡን ብምሕባር፡ ዘራእቶም ኣብ ደረጃ ምጉሳይ ከምዝበጽሐ ገሊጾም።

ዛጊት ኣብ ነቝጣ ሞልቊ ጥራይ 271 ሚሊ-ሜትር ዝዓቐኑ ዝናብ ከምዝተመዝገበን ገና ይቕጽል ከምዘሎን ዝጠቐሰ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ ኣማኑኤል ዓንደማርያም፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሄክታር ተሓሪሱ፡ መሸላ፡ ዕፉን፡ ዳጉሻ፡ ጣፍ፡ ጥረታት፡ ብልቱግን ስምስምን ከምእተዘርአን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብን ኣረዲኡ።

Categories