Author - Staff

ሚኒስተር ዑስማን፡ ምስ ኩወይታዊ መዘናኡ ተዘራሪቡ

ኣብ ሃገረ ኩወይት ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ናይ’ታ ሃገር፡ ሼኽ ሳባሕ ኣልኻልድ ተዘራሪቡ። ብ10 ሕዳር ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ሚኒስተር ዑስማንን ሼኽ ሳባሕን፡ ኣብ...

መስርሕ ህንጻ ጽርግያ ዓዲ-ጓዕዳድ – ኣቑርደት ብወግዒ ተበጊሱ

ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ፡ ንዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ዘራኽብ – ብጠቕላላ 134 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፡ እቲ ቀዳማይ ክፋሉ – ትማሊ 11 ሕዳር ኣብ ሓበላ ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት – ንኽስራሕ ብወግዒ...

ተጋዳላይ መሓመድ-ኣድም ኣሕመድ (ሻግራይ) ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ኣድም ኣሕመድ (ሻግራይ)፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 9 ሕዳር ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈን ኣብ...

ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንተመሃሮ ባረንቱ ኣስተምህሮ ሂቡ

ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣፍልጦ ተመሃሮ ኣብ ሕጊ ንምብራኽ፡ ካብ ቅድመትምህርቲ ክሳብ 2ይ ደረጃ ንዝርከቡ ተመሃሮ ከተማ ባረንቱ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ካብ 22 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 5 ሕዳር – ንልዕሊ 12 ሽሕ ተመሃሮ ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ዕላማኡ...

ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ኣልሸሪፍ ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ

ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ኣልሸሪፍ ናይ 1441 ዓመተ-ሂጅሪያ፡ ሎሚ 9 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ። ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ ሰዓት 7 ንግሆ ኣብ ሜዳ ጃምዕ ኣልኹለፋእ ኣራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም...

ቅሮራ – መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት የተባብዕ

ኣብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ፡ ካብ መስከረም 2019 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት፡ ኣተባባዒ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓቢሩ። ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝቘመት ኮሚተ ድሕሪ ዝገበረቶ ርክባት፡ ህዝቢ ኣብ ኣገዳስነት ምጥርናፍ ግንዛበኡ ከምዘስፍሐን፡...

ሻምብቆ – ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ብመንከስቲ የተባብዕ ጣንጡ ኣብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሜላታት ምክልኻሎምን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ሓበሬታን ጐስጓስን ኣቶ ሱልጣን ሓጐስ፡ ዓሶ፡ ከርፈስን ዌልካምን ካብቶም ብመንከስቲ ጣንጡ...

Login

Categories