ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ብመንከስቲ የተባብዕ ጣንጡ ኣብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሜላታት ምክልኻሎምን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ሓበሬታን ጐስጓስን ኣቶ ሱልጣን ሓጐስ፡ ዓሶ፡ ከርፈስን ዌልካምን ካብቶም ብመንከስቲ ጣንጡ ዝስዕቡ ሓደገኛ ሕማማት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዓመት ምሉእ ዝተሰበነ ናሙስያ ምጥቃም፡ ከባቢያዊ ጽሬት ምዝውታርን መራብሒ ጣንጡ ዝኾነ ዕቋር ማያት ምድፋንን፡ ካብ ቀንዲ ሜላታት ምውጋዶም ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ምክልኻል ሕማም ዓሶ፡ ኣቶ ኢብራሂም ያቆብ ብወገኑ፡ ከባቢያዊ ጽሬት ሓደ ካብ መሰረታውያን ሜላታት ምክልኻል ሕማም ዓሶ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብቐጻሊ ክስራሓሉን ብሞያውያን ዝወሃብ ምኽርን መምርሕን ብግቡእ ኣብ ተግባር ክውዕልን ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት፡ ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ ዝዓለሙ ወፈራዊ ስራሓት እኳ ይሰላሰሉ እንተኾኑ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብቲ ካልእ ሜላታት ንምብራኽ ብዝበለጸ ክድፋኣሉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories