ኣብ ሃገረ ኩወይት ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ናይ’ታ ሃገር፡ ሼኽ ሳባሕ ኣልኻልድ ተዘራሪቡ።

ብ10 ሕዳር ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ሚኒስተር ዑስማንን ሼኽ ሳባሕን፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ካልኦት ጉዳያት ተመያዪጦም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ኩወይት ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ ብወገን ሃገረ ኩወይት ድማ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኻልድ ኣልጃራላ፡ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሼኽ ዶክተር ኣሕመድ ናስር ኣልመሓመድ ኣልሳባሕን ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ብ9 ሕዳር ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ሰላምን ተስፋን፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ኣበጋጊሱዎ ንዘሎ – ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ ዕድላት ወፍሪ ዘብርህ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንኹሉ ተጻብኦታትን ሸርሕታትን መኪቶምን ኣፍሺሎምን ናብ ሓድሽ መዋእል ኣትዮም ከምዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ምትእትታዋት ተሓሚሱ ኣብ ዝነበረ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ድማ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ዜጋታት ተራሕዩ ንዘሎ ዕድላት ወፍሪ – ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories