ብክራማት ተበላሽዩ ንተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ 65 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ናቕፋኣፍዓበት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጽገናታት ይግበረሉ ኣሎ።

እቲ ብሓገዝ ማሽነሪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምጽጋን ዕማም፡ ንጎደናታት ከተማ እውን ከም ዘጠቓልል፡ ምምሕዳር ከተማ ናቕፋ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ናቕፋ ንዝገብሮ ዘሎ ምትሕብባር ብምምስጋን፡ ኣብ’ቲ ካልእ መደባት ልምዓት እውን እጃሞም ንምብርካት ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።

Categories