ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ብዝተፈላለየ መደባት ይጽምበል ኣሎ።

ብደረጃ ዞባ ደቡብ ብ7 ሕዳር ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ – ኣብ ኩሉ መዳያት ክዓዝዝ፡ ውዳበ ሃማደኤ ክሕይል ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ኣብቲ ወከልቲ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተሳተፉዎ ጽምብል፡ ወይዘሮ ተኽኣ፡ ጽንዓትን መኸተን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ፡ ነዊሕ ጉዕዞን መስገደልን ሰጊሩ ኣብዚ ትስፉው መድረኽ በጺሑ ምህላዉ ሓቢራ።

ውዳበ፡ ነቲ ውሑድ ናብ ብዙሕ ቀዪሩ ሓይልን ጽንዓትን ኣዕጢቑ ናብ ልምዓት ከምርሕ ዝኽእል መስርሕ ምዃኑ ጠቒሳ ድማ፡ ሕጂ’ውን ማሕበር ምስ’ዚ ሓድሽ መድረኽ ውዳበኡ ኣሐይሉ ካብኡ ዝሕተት ንምምላእ ድሉውነቱ ኣረጋጊጻ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ሰናይት ኣፈወርቂ ብወገና፡ ተሳትፎአንን ተወዳዳርነተንን ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያዊን ትምህርቲ ክብ ንምባል፡ ጻዕርታት ቀጻሊ ምዃኑን ዘተባብዕ ለውጢ ይምዝገብ ምህላዉን ገሊጻ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ድማ፡ ብምኽንያት’ቲ ዝኽሪ – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ላዕላይጋሽ፡ ሻምብቆን ኣቑርደትን ዝተፈላለየ ስራሓት ከምእተሰላሰለ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ጉዳይ ምርግጋጽ መሰላትን ማዕርነትን ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብዘርእያኦ ዘለዋ ዓጸፋ ስራሕ ከምእተደርዐ ኣረዲኣ።

ኣብ ናቕፋ እውን፡ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ውዳበኡ ብምሕያል ዝተወጠኑ መደባት ልምዓት ብጽፈትን ብቕዓትን ንምትግባር ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ።

Categories