ኣብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ፡ ካብ መስከረም 2019 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት፡ ኣተባባዒ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓቢሩ።

ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝቘመት ኮሚተ ድሕሪ ዝገበረቶ ርክባት፡ ህዝቢ ኣብ ኣገዳስነት ምጥርናፍ ግንዛበኡ ከምዘስፍሐን፡ ንምዕዋቱ ድልውነቱ ከምዘረጋገጸን ዝገለጸ ኣቶ እድሪስ ዓሊ፡ እቲ ምጥርናፍ ኣብ ኣራግ፡ ሓሊበት፡ ኣፍላግን ግራትን ክኸውን ኣብ ምርድዳእ ከምእተበጽሐ ኣረዲኡ።

ኣቶ እድሪስ ዓሊ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምሕያሽ እውን፡ ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ናይ ምጥርናፍ መደብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories