Author - Staff

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይን እስራኤልን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘትዮም

ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይን እስራኤልን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮምን ዞባዊ ምዕባለታትን ከምኡ’ውን ኣብ ቈንስላዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ ርክባት ኣካዪዶም። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደንን ኖርወይን ንዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናራት፡ ፈጻሚ ጉዳያት...

ገዲም ተጋዳላይ በራኺ ዘመደብርሃን ተሰዊኡ

ኣባል ትካል ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ ገዲም ተጋዳላይን ካፕተን መርከብን በራኺ ዘመደብርሃን፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ19 ታሕሳስ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ተጋዳላይ በራኺ፡ ፈለማ ኣብ...

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ተራ ካድራት ኣብ ልምዓት ተዘትዪሉ

ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ብ14 ታሕሳስ – ኣብ ተራ ንቑሕ ውዳበ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ኣበርክቶ ካድራት ህግደፍ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ተኻዪዱ። ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን – ምስ ካድራት ጉጅለታት...

ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ መደባት 2018 ንህዝቢ ገሊጹ

ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንጥፈታት 2017 ድሕሪ ምግምጋም፡ ውጥን መደባት 2018 ንህዝቢ ገሊጹ። ብ14 ታሕሳስ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ረዘነ ኣዶናይ፡ ኣብ ጉጅለታት ህዝብን ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን ንዝተሰላሰለ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወረቐት ስራሕ ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ተቐቢሉ

ሄለኒክ (ግሪኽ)፡ ሚስስ ኣግሪና ሙሳ ናይ ሪፓብሊክ ማላዊ፡ ሚስተር ዳንኤል ካቨኝ ናይ ኮንፈደረሽን ስዊስ፡ ከምኡ’ውን ሚስተር ራሚያ ዮጋራጃን ናይ ሪፓብሊክ ስሪላንካ እዮም። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወረቐት ስራሕ ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚስ ሱዛን ንጎንጊ...

ደቡብ – ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ጻዕርታት ክዛይድ ይሕተት

ኣብ ሃብቲ ገረብ ዝርአ ዘሎ ብርሰት ክግታእ ውህደት ሕብረተሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ክዓዝዝ፡ በዓል- ስልጣን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ደቡብ ጸዊዑ። እቲ ጨንፈር ብ14 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣግራብ ዘብርሱ ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን...

መንእሰያት ኣብ ሕ.መ.ኣ፡ ናውቲ ሕክምና ሓጊዞም

ኣብ ስያትል – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ “እምነት” ኣብ ዝተባህለ ጉጅለ ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን ወለንታውያን መንእሰያት፡ ንሆስፒታላት ዝከፋፈል ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪቶም። እቲ ብ6 ታሕሳስ ዝተረከበ ናውቲ፡ መደቀስን መመርመርን ዓራውትን...

ዓመታዊ ንጥፈታት ዞባ ደቡብ ብኣዎንታ ተገምጊሙ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሕርሻዊ ልምዓትን ዘተባብዕ ስራሓት ከምእተሰላሰለ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ12ን 13ን ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን፡ ጽርግያታት፡ ኣብ ምዕቃብ...

ዓንሰባ – ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ዘተባብዕ ገስጋስ ተመዝጊቡ

ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ብ13ን 14ን ታሕሳስ ኣብ ከረን ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም፡ ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ዘተባብዕ ገስጋስ ከምእተመዝገበ ተነጺሩ። ኣብ ትምህርቲ – መጠን ተሳታፍነት ኣብ ትምህርቲ ዕብየት ከምዘርኣየ፡ ኣብ ጥዕና ድማ...

ጋሽ-ባርካ – ብህዝባዊ ወፈራታት ኣድማዒ መደባት ተተግቢሩ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ህዝቢ ብወፈራዊ ማእቶት ዘሰላሰሎ ልምዓታዊ መደባት ኣድማዒ ምንባሩ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ተሓቢሩ። ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ህዝቢ ተወዲቡ፡ ኣብ ምጽጋንን ምስራሕን ጽርግያታትን ጋብዮናትን፡ ኣብ ምትግባር...

Login

Categories