ሄለኒክ (ግሪኽ)፡ ሚስስ ኣግሪና ሙሳ ናይ ሪፓብሊክ ማላዊ፡ ሚስተር ዳንኤል ካቨኝ ናይ ኮንፈደረሽን ስዊስ፡ ከምኡ’ውን ሚስተር ራሚያ ዮጋራጃን ናይ ሪፓብሊክ ስሪላንካ እዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወረቐት ስራሕ ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ኣብ ዝተቐበለሉ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ’ቲ ውድብ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ድርቂ፡ ጥሜትን ቅልውላዋትን ጥራይ ተኣሳሲሩ ምህላዉ፡ ኣብ ክንዲ ናብ’ዚ ጥራይ ዘማዕዱ፡ እታ ኣህጉር ካብ’ዚ ሽግራት’ዚ እትወጻሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ ከተኲር ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ እትውንኖ ጸጋታት ተጠቒማ ነብሳ ክትክእልን ምዕባለኣ ከተረጋግጽን – ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓቕሚታታ ኣድህቦ ክህብ እውን ኣዘኻኺሩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን እቲ ውድብን ኣብ ምምዕባል ንዝጸንሐ ዝምድና ዝላ ዝፈጥር ጽቡቕ ናይ ስራሕ ግዜ ከኣ ተመንዩላ።

ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ዝገበሮ ርክብ እውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ረድኤት ኣብ ምዕባለ ኣፍሪቃ ዝጥቀስ ኣስተዋጽኦ ስለዘይብሉ፡ እታ ኣህጉር እኹል ጸጋታት ስለዘለዋ፡ ርእሳ ንኽትክእል ናይ ጃፓን ወፍሪ ከምዘድልያ ገሊጹሉ።

ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንጃፓን ዘጋጠመ ዕንወትን፡ ብሓያል ጻዕሪን ባህሊን ህዝባ ንዓኡ ኣሕውያ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለን ብምጥቃስ ድማ፡ “እቲ ኣፍሪቃ እትደልዮ እምበኣር፡ ናይ ጃፓን ተመኲሮን ፍልጠትን እምበር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣይኮነን” ክብል ኣስሚሩሉ።

ምስ ኣምባሳደር ኮንፈደረሽን ስዊስ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ – ክልተኣዊ ዝምድና ንምሕያል ዘሎ ድሌት ድሕሪ ምግላጽ፡ ጉዳይ ፍልሰትን ዘይሕጋዊ ስደትን ደቂ-ሰብ፡ ንሓንቲ ሃገር ጥራይ ዘይግደፍ ውሁድ ቃልሲ ዝሓትት ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ክልተኣዊ ውዕላት ክትኣቱ ከምዘይኮነት ኣነጺሩ። እዚ ኢድ ሓያሎ ወገናት ዘለዎን ናብ ንግድ ተቐዪሩ ዘሎን ናይ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ባርነት፡ ተሓታትነት ብዘለዎን ሕቡራት ሃገራት ብዝሳተፎን ናጻ መርመራ ክጻረ ኤርትራ ትሓትት ከምዘላ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 19 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ወረቐት ስራሕ ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ተቐቢሉ።

እቶም ወረቐት ስርሖም ዘረከቡ ነጸብራቕ ትማሊ … ኣምባሳደራት፡ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ቶሺሱጉ ዩሳዋ ናይ ጃፓን፡ ሚስተር ሚካኤል- ክሪስቶስ ድያሜሲስ ናይ ሪፓብሊክ ስዊዘርላንድ ንእትኽተሎ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዘተኰረ ናይ ምድግጋፍ መደባት፡ ኤርትራ ብጽቡቕ መንፈስ ከምእትቕበሎ እውን ገሊጹሉ።

ኣምባሳደራት ሪፓብሊክ ሄለኒክ፡ ሪፓብሊክ ማላዊን ሪፓብሊክ ስሪላንካን ኣብ ዝተቐበለሉ ብተመሳሳሊ፡ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምድንፋዕ ብዝሓየለ ክሰርሑ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺሩዎም።

Categories