ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይን እስራኤልን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮምን ዞባዊ ምዕባለታትን ከምኡ’ውን ኣብ ቈንስላዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ ርክባት ኣካዪዶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደንን ኖርወይን ንዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናራት፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ኣቶ ዮናስ ማና፡ ኣብ ባይታ ብዛዕባ ዝሰላሰሉ ዘለዉ መደባት ልምዓትን ገስጋሶምን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ምቕያር ወረቐት መንነት ን2018 ብዕቱብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ጉዳያት ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ኮማውን ህዝባውን ጉዳያት ኣቶ ሲራክ ባህልቢ እውን፡ ውዳበን ሞያዊ ዓቕሚታትን ብምሕያል ንዓወት ሃገራዊ መደባት ምስራሕ እዋናዊ ተልእኾ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣንጻር ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ጸለመ ዘመተን ተጻብኦታትን – ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዕርቃኑ ወጺኡ ፍሽለታቱ ይገሃድ ከምዘሎ፡ ኣቶ ሲራክ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣብ ካልእ ፍጻመ – ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ብ16 ታሕሳስ ንኣካየድቲ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ኢላት፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገር ሰሚናር ኣካዪዱ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ኤርትራዊ ሓድነትን መንነትን ንምዂስኳስ ብማሕበረ-ኮማት ንዝካየድ ጻዕሪታትን ኣገዳስነቱን፡ ከምኡ’ውን ንቈንስላዊ ኣገልግሎታት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

Categories