ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንጥፈታት 2017 ድሕሪ ምግምጋም፡ ውጥን መደባት 2018 ንህዝቢ ገሊጹ።

ብ14 ታሕሳስ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ረዘነ ኣዶናይ፡ ኣብ ጉጅለታት ህዝብን ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን ንዝተሰላሰለ ፖለቲካውን ውድባውን ንጥፈታትን ውጽኢቱን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኮማዊ ወፈራታት – ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ’ዚ ንኣትዎ ዘሎና ዓመት ብዝለዓለ ደረጃ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብህዝቢ ዝቐረበ ርእቶታትን ጥርዓናትን መልሲ ንኽረክብ፡ መምስ ዝምልከተን ኣካላት ይዝተየሉ ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ክራማት ሎም-ዘበን ኣብ’ቲ ዞባ ድኹም ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ እቲ ኩነታት ብኣጋ ቈላሕታ ክግበረሉ ተላብዮም።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ እውን፡ ኣብ ውድባዊ ስርሓት ኣተባባዒ ንጥፈታት ከምእተዓመ፡ ጸሓፊት ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ኣመተ ንጉሰ ገሊጻ።

ብ15 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ፡ ንቑሕ ውዳበ መሰረት ኩሉ ብምዃኑ – ብዝለዓለ ክድፋኣሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories