Author - Staff

ሓበሬታ

ካብ ባሕሪ ዝብገስ ዝናብ፡ ናብ ካልእ ቦታታት ሃገርና ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ሓረስቶት – ዝኣኸለ ኣዝርእቶም ብኣጋ ዓጺዶም ወይ ጎኒኦም ክእክቡ ነዘኻኽር።
ሚኒስትሪ ሕርሻ

ኣብ ኣፍዓበት ብኩራት ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ተዘትዩሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ምስ ነበርቲ 14 ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኣብ ኩነታት ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብሓፈሻ፡ ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብመንጽር ዝርጋሐ ትካላት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ተዘትዩ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ብመሰረት...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣካዪዶም

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዘሎ ዕድላት ንግድን ወፍርን ዝቐንዐ – ቁጠባዊ ዘተ፡ ብ27 መስከረም ኣብ ከተማ ፉሊንገን – ጀርመን ክካየድ እንከሎ፣ ኣብ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ውዳበታት ህግደፍ ብ28 መስከረም ዓውደ-ዘተ ወዲበን። ኣብቲ...

ዓለማዊ ‘መዓልቲ መማህራን’ ብደረጃ ሃገር ተዘኪራ

ዓለማዊ መዓልቲ መማህራን፡ ‘መንእሰያት መማህራን፡ ዋሕስ ሞያ ምምህርና” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 4 ጥቅምቲ ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ማሕበር መማህራን ተዘኪራ። ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርትን ወከልቲ መማህራንን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ-መንበር...

ኣቑርደት ሕማም ትራኮማ ንምግታእ ጻዕሪታት ይካየድ

ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ተመሓላላፊ ሕማም ትራኮማ ንምቊጽጻር፡ ሓያል ጻዕሪ ተካይድ ኣላ። ኣብ’ታ ማእከል – ክኢላ ሕክምና ዓይኒ መንእሰይ ስዩም ጉርጃ፡ ሕማም ትራኮማ ንምክልኻል ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ጠንቂ ሕማም ትራኮማ፡ ሳዕቤናቱን ኣገባብ...

ዓንሰባ – ኣብ ብቕዓት ትምህርቲ ተዘትዩ

ብቕዓት ትምህርቲ ብምርግጋጽ፡ ተወዳዳርነት ተመሃሮ ንምዕባይ ዝሕግዝ ዓወደ-ዘተ፡ ካብ 26 ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ። ኣብ’ቲ ልዕሊ 200 – ሓለፍቲ ትምህርቲ፡ ዳይረክተራት፡ ሱፐርቫይዘራትን ካልኦት ክኢላታትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡...

ኣራዕታ – ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ይስራሓሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምስፋሕ መደብ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብተኣብ ገብረኣብ ሓቢሩ። መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ትምህርትን ማይን ንምዝርጋሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ጥዕናዊ ንቕሓትን ተሳትፎን ህዝቢ ብምዕባዩ፡...

ማይ-ዓይኒ – ኣኽላባት ጸረ-ሕማም ዕቡድ ከልቢ ይኽተቡ

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ተርእዮ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ንምግታእ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዝተዳለወ ነቑጣታት፡ ንኣኽላባት ናጻ ክታበት ይወሃብ ኣሎ። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ መንእሰይ ወልደኣብ ኣሰፋ፡ ሓደገኛነት ሕማም...

ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሲምፖዝዩም ጸጥታ ኣቭየሽን ተሳቲፋ

ኤርትራ፡ ካብ 18 ክሳብ 20 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ሲምፖዝዩም ጸጥታ ኣቭየሽን፡ ከምኡ’ውን ካብ 24 መስከረም ክሳብ ሎሚ 4 ጥቅምቲ ኣብ ዝቐጸለ መበል 40 ጉባኤ ኣህጉራዊ ውድብ ሲቪል ኣቭየሽን ተሳቲፋ። ኣብ’ቲ፡ 42 ኣባል ሃገራትን 7 ናይ ኣቭየሽን...

Login

Categories