ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ምስ ነበርቲ 14 ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኣብ ኩነታት ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብሓፈሻ፡ ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብመንጽር ዝርጋሐ ትካላት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ተዘትዩ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ብመሰረት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ትምህርቲ ዘይጀመሩ ኣስታት 13 ሽሕ ቈልዑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ንከባብያዊ ጽሬት ኣብ ዝምልከት፡ ኣቶ ኣሕመድ፡ ኮም ዝመርሖ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ቀጻልነቱ ክወሓስ፡ ጐሓፍ ኣብ ዝተወሰነሉ ቦታታት ክጐሓፍ፡ ግዜኡ ዝሓለፈ ሃለኽቲ ነገራት ምክትታል ክግበረሉ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሓመድ-ዓሊ እድሪስ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቅላመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ንምኽፋት ዘሎ ውጥን እንተደኣ ተተግቢሩ፡ ብሕልፊ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ክህሉ ዝኽእል ተሳታፍነት ተመሃሮ እምነቱ ገሊጹ።

Categories