ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምስፋሕ መደብ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብተኣብ ገብረኣብ ሓቢሩ።

መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ትምህርትን ማይን ንምዝርጋሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ጥዕናዊ ንቕሓትን ተሳትፎን ህዝቢ ብምዕባዩ፡ ተርእዮ ሞት ኣደታትን ዕሸላትን ከምዝጐደለ፡ ብዙሓት ዜጋታት እውን ትምህርቶም ዛዚሞም ንህዝቦም ኣብ ምግልጋል ከምዝርከቡ ኣብሪሁ።

ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ፡ መገብቲ ጽርግያታት ኣብ ምስራሕን ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብን ንጡፍ ተሳትፎ ከምዝነበሮ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተኣብ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ፡ ነዚ ብምድንፋዕ፡ ኣብ ምምዕባል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝያዳ ቈላሕታ ከምዝግበር ገሊጹ።

ሓላፊ መደበር ጥዕና ኢጊሮሊ ተሓጋጋዚ ነርስ ሑሴን መሓመድ ብወገኑ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ’ታ መደበር ከይተወሰነ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ዓድታትን ቑሸታትን እናተንቀሳቐሱ እውን ከምዝሰርሑ ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ 17 ትካላት ትምህርቲን 5 ትካላት ጥዕናን ከምዘለዋን፡ ተጠቃምነት ጽሬቱ ዝተሓለወ ቀረብ ማይ – ልዕሊ 80 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ሰነዳት ምምሕዳር ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድኡ።

Categories