ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ተርእዮ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ንምግታእ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዝተዳለወ ነቑጣታት፡ ንኣኽላባት ናጻ ክታበት ይወሃብ ኣሎ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ መንእሰይ ወልደኣብ ኣሰፋ፡ ሓደገኛነት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዛጊት 1600 ኣኽላባት ከምእተኸትቡ ሓቢሩ።

ሓረስቶት ኣብ ዝቐረበ ነቑጣ ኣኽላባቶም ከኽትቡ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ዋና ዘይብሎም ፋሉል ኣኽላባት ንምውጋድ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ወነንቲ ኣኽላባት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዋና ዘይብሎም ኣኽላባት ፈቖዶኡ እናተራብሑ ስግኣት ይፈጥሩ ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰደሎም ኣዘኻኺሮም።

Categories