ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ – ምምሕዳር ከባቢ ግላስ፡ ኣብ 2010 ሃማደኤ ብዝገበረለን ደገፍ ብጥሪት ዝተጣየሳ ኣለይቲ ስድራ ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ መነባብሮአን ምምሕያሽ ኣርእየን።

ካብተን ነፍሲ-ወከፈን ሓሙሽተ ጤለበጊዕ ዝተዓደላ ደቂኣንስትዮ፡ እተን ዝበዝሓ ጽቡቕ ስለዝተኸናኸንአን ኣብ ቊጠባዊ ኩነታተን እወታዊ ለውጢ ከምጽኣ ከለዋ፡ ገለ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክስስና ከምዘይከኣላ፡ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ንዝተዋህብኣ ኣጣል ተኸናኺና ናብ 70 ዘብጽሓተንን ኣብ ህይወታ ርኡይ ምዕባለ ዘመዝገበትን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ወልደየሱስ፡ ሚስጢር ዓወታ ጻዕሪን ዝጸንሐ ተበግሶ፡ ብነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ገርገፍ – ዝሓለፈ ክራማት ካብ ዝተረኽበ እቶት፡ 80 ኩንታል ን74 ስድራ-ስዉኣት ተመቓሪሑ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኦምሓጀር እውን፡ ካብ ሽያጥ ዝተፈላለየ ፍርያትን ካብ ሰብ ጸጋን ዝተኣከበ 90 ሽሕ ናቕፋ፡ ን100 ስድራ-ስዉኣት ተኸፋፊሉ።

ዕቱብ ክንክንን ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ካልኦት ደቂኣንስትዮ ተረባሕቲ ናይ’ቲ ዕድል ዝኾናሉ መዳያት ክፍጠር ተላብያ።

ነተን 5 ኣጣል ናብ 17 ዘብጽሓተን ወ/ሮ ትዕበ ኣስፍሃ ብወገና፡ ካብ ተጸባይነት ተናጊፋ ሓዳራ ብግቡእ ትኣሊ ከምዘላ ብምግላጽ፡ ንሃማደኤን ምምሕዳርን ኣመስጊና።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ግላስ ኣቶ ኣሰናይ ጰጥሮስ ድማ፡ ብሃማደኤን ካልኦት ኣካላትን ንጽጉማት ወገናት ዝግበር ዓይነታዊ ሓገዛትን ናይ ምጥያስ መደባትን፡ መነባብሮኦም ኣብ ምምሕያሽ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ፡ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories