ኣብ ማእከል ጥዕና ሻምብቆ ዝተተኽለ ናይ 4 ሽሕ ኪሎ-ዋት ጸሓያዊ ጸዓት፡ ኣብ ጽፈትን ብቕዓትን ኣገልግሎታት መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምጽአ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ነርስ ተኽለ ዘወንጌል፡ እታ ማእከል ምስ ብዝሒ ተገልገልትን ዓይነት ሕማማትን ዝመጣጠን ኣገልግሎት ክትህብ ምእንቲ፡ በብእዋኑ ዝተፈላለየ መሳርሒታትን ዓቕሚ-ሰብን ክማልኣላ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ እኹል ቀረብ ጸሓይ – መድሃኒት ንምዕቃብ፡ ቀጻሊ ረድኤት ንምሃብን መሳርሒታት ንምምካንን ኣበርክቶኡ ዕዙዝ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ትካላት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ብሓፈሻ፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ሻምብቆ ድማ ብፍላይ ዝወሃብ ኣገልግሎት፡ ብዓይነትን ብቕዓትን ንምምሕያሽ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ኣብ ባይታ ጽቡቕ ለውጢ የመዝግብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ነርስ ተኽለ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ተጠቃምነት ዘመናዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምዕባይ፡ ጻዕሪታት ክሕዪል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ክታበት ቈልዑን ክትትል ቅድመሕርስን ተመዝጊቡ ዘሎ ለውጢ ዝምስገን ምዃኑ ብምሕባር፡ ቁጽሪ ናይ’ተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ነፍሰ-ጾራት ንምዕባይ ልዑል ጻዕሪ ክግበር፣ ህዝቢ ድማ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝጐደለን ኣብ ምምላእ ክዋሳእ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ 4 መደበራት ጥዕናን ሓንቲ ማእከል ጥዕናን ኣለዋ።

Categories