ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ብሓፈሻ፡ ሕሙማት ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝግበረሎም ሕክምናዊ ክንክን፡ ኣብ ኣመጋግባኦም ጥንቁቓት ክዀኑን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከዘውትሩን ከምዝግባእ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝነጥፉ ሞያውያን ገሊጾም።

ሕዱር ሕማማት ዝሓዊ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ግቡእ ክንክንን ባህሪያዊ ለውጢን ብምግባር ክስዕብ ካብ ዝኽእል ዘይተደልየ ሓልክታትን ሳዕቤናትን ምክልኻልን ምቊጽጻሩን ከምዝከኣል’ዮም፡ እቶም ሞያውያን ዝሕብሩ።

ካብ ክፍሊ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ሆስፒታል ከረን – ነርስ ልዋም ጸሃየ፡ ዝዀነ ዜጋ ብፍላይ ድማ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኡ ስሩዕ ምክትታል ክገብር ኣገዳሲ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ሕማም ከምዘለካ ምስ ተረጋገጸ ግቡእ ሕክምናዊ ምክትታል ክግበርን ምኽሪ ሓካይም ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኣዘኻኺራ።

ብደረጃ ዓለም፡ ጸቕጢ ደም ካብ ዘለዎም ግን ከኣ ግቡእ ሕክምናዊ ክትትል ዘይገብሩ 54 ሚእታዊት ናይ ርእሲ ወቕዒ፣ 47 ሚእታዊ ድማ ናይ ልቢ ወቕዒ ከጋጥሞም ከምዝኽእል መጽናዕትታት ከምዘነጽሩ ብምጥቃስ፡ ብቐንዱ ኣብ ኣመጋግባን ምንቅስቓስን ናይ ባህሪ ለውጢ ምምጻእ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ኣብሪሃ።

ብርቱዕ ሕማም ርእሲ፡ ዘይንቡር ህርመት ልቢ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ክሳድን ካልእን ገለ ካብ ምልክታት ጸቕጢ ደም ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ድማ፡ እቲ ዝበለጸ ቀጻሊ መርመራታት ብምግባር ኩነታትካ ምፍላጥ ከምዝዀነ ኣስሚራትሉ።

ነርስ ተስፋይ ይሓይሽ ብግደኡ፡ ምብራኽ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ሕማም ሽኮር ፡ ቁጽሪ ሕሙማት ኣብ ምጕዳል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምብራህ፡ ሕማም ሽኮር ከምዘለዎ ዝተነግሮ ዜጋ፡ ነቲ ብነጻ ዝወሃብ ኣገልግሎት መርመራታትን መድሃኒትን ብዝግባእ ክጥቀመሉ ተላብዩ።

ዝበዝሑ ሕሙማት ንዝተኣዘዘሎም መድሃኒት ብግቡእ ከምዝወስዱ ጠቒሱ ድማ፡ እዚ ዘተባባብዕ ባህሪ ብግቡእ ኣመጋግባን ምንቅስቓስ ኣካላትን ክስነ ሞያዊ ምኽሩ ሂቡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ – ሓላፊ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ሚካኤል ተኽላይ ድማ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ብምስፋሕ፡ ንሕማማት ዘቃልዑ ልምድታት ብምቕያር፡ እኹል መድሃኒት ብምቕራብ፡ ከምኡ’ውን ብሉጽ ኣተኣላልያ ሕሙማት ብምርግጋጽን ስሩዕ ጐስጓሳት ብምክያድን ነቲ ሕማማት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቶም ሞያውያን ኣብ መወዳእታ፡ ዝኾነ ዜጋ ኩነታቱ ብኣጋ ንምፍላጥ ሕክምናዊ ክትትል ክገብር፣ መድሃኒት ዝጀመረ ሕሙም ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ እዋን መድሃኒቱ ከየቋርጽ፣ ኣብ ስርዓት ኣመጋግባን ምንቅስቓስን ለውጢ ክገብር፣ ምስ ሓካይም ድማ ጥቡቕ ርክብ ክህልዎ መኺሮም።

Categories