ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ከባቢ ማይ-ድምነት፡ ኣብ 19 ሄክታር ልዕሊ 30 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን – ላዕላዋይ ክኢላ ምግራብን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ ሚካኤል ኣብርሃም ሓቢሩ።

ኣቶ ሚካኤል ነዚ ዝሓበረ፡ ብ23 ሓምለ፡ ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ክፍለ-ሰራዊት 85 ነበር፡ ኣባላት ማሕበር መጓዓዝያ ዓበይቲ ኣውቶቡስ ‘ዓወት’፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ፍትሕን ማሕበር ዜና-ነበርን ወፈራ ምግራብ ኣብ ዘካየዱሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣወሃሃድትን ኣባላትን ናይ’ተን ዝወፈራ ትካላት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ንዝወሃቦም መደባት ንምትግባር ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ 2021 ኣብ ከባቢ ማይ-ድምነት ኣብ 38 ሄክታር ካብ ዝተተኽለ ፈልሲታት ኣግራብ፡ ልዕሊ 80 ሽሕ ከምዝጸደቐ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories