ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ዝናብ ካብ 7 ሓምለ ጀሚሩ ብጽቡቕ ይቕጽል ብምህላዉ፡ ኣብ ኣስታት 15 ሽሕ ሄክታር ዝተዘርአ ኣእካል፡ ጥረታትን ናይ ቅብኣት ኣዝርእትን ጽቡቕ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ምሕረቱ ኣርኣያ ገሊጹ።

ኣብ ንቚጣታት ዓረዛን ማይድማን ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ 490 ሚሊሜተር ዝዓቐኑ ዝናብ ከምዝሃረመ ዝሓበረ ኣቶ ምሕረቱ፡ ሓረስቶት ምስ ዝናብ እናተቐዳደሙ 10,970 ሄክታር ኣእካል፡ 3,830 ሄክታር ጥረታት፡ 155 ሄክታር ድማ ናይ ቅብኣ ኣዝርእቲ ከምዝዘርኡ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ዝቐደመ ኣእካል ኣብ ጉስያ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ዝተረኽቦ ክልተ ዓይነት ምሩጽ ዘርኢ ስርናይን ብልቱግን ሎሚ ዓመት ብዝሰፍሐ ንምትእትታዉ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣብ ከባቢ ማይድማን ዑበልን 68 ሄክታር ብልቱግ ክዝራእ ከሎ፡ ን90 ሓረስቶት ዝተዓደለ ኣስታት 17 ኩንታል ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ድማ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ፡ ኣቶ ምሕረቱ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሓረስቶት ብወገኖም፡ ዝናብ ክራማት ንኽልተ ወርሒ ብቐጻሊ ብምህራሙ፡ ድሑራትን ቅዱማትን ዘራእቲ ኣብ ትስፉው ደረጃ ከምዝርከቡ ብምግላጽ፡ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተኣታቶ ዘሎ ምሩጽ ኣዝርእቲ ብዝሰፍሐ ክድፋኣሉን ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ክቕረበሎምን ሓቲቶም።

Categories