ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ግንባርን ንዝነጥፋ ኣባላቱ – ናይ ምሕደራ ስልጠና ይህብ ኣሎ።

እቲ ካብ ወጻኢ ብዝመጽአ ክኢላ ምሕደራ ዶ/ር ሃይለ ንጉሰ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ብቐንዱ፡ ዓቕሚ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ምሕደራ ንምብራኽ ዝዓለመ እዩ።

ዛጊት ድማ፡ 81 ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ከምኡ’ውን 70 ኣባላት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ተሳቲፈናኦ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ስልጠና – ኣብ’ቲ ሃማደኤ ተልእኾኡን ዕላማታቱን ንምውቃዕ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ ተራ ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ፍልጠቱ ንዘካፍል ዘሎ ዶ/ር ሃይለ ንጉሰ ኣመስጊና።

ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ድማ፡ ተራ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መደባት መኸተን ልምዓትን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዓቕሚ ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ምባል ንሓደ ኣካል ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኰነ፡ ብወገን ፖሊስ ኤርትራ ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

Categories