ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ እትርከብ መደበር ፈልሲ ማይ-ኣትኳሮ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ ንዝካየድ ናይ ምግራብ መደብ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ፈልሲታት ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ’ታ መደበር ፈልሲ፡ ኣቶ ተስፋጋብር ብርሃነ፡ ዓየ፡ ቀንጠብ፡ ጋባን ሓንሰን ዝኣመሰሉ 14 ዓይነታት ኣግራብ ኣፍሊሶም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ብደረጃ ትካላትን ውልቀ-ገረብትን ንምትካሎም መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቶ ተስፋጋብር፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳለጥያታት ተዳኺሙ ዝጸንሐ ንጥፈታት ናይ’ታ መደበር ንምብርባር – ምምሕዳር ዞባን ንኡስ ዞባን ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ሞጒሱ።

ብውልቆም ፈልሲታት ክወስዱ ዝሓቱ ገረብቲ ቁጽሮም እናሰሰነ ምምጽኡ፡ መርኣያ ሰሪጹ ዘሎ ንቕሓት ከምዝዀነ ዝሓበሩ ሰራሕተኛታት እታ መደበር ፈልሲ፡ ጠለብን ቀረብን ንምምጥጣን መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ 1998 ስርሓ ዝጀመረት መደበር ፈልሲ ማይ-ኣትኳሮ፡ 15 ሰራሕተኛታት ኣለውዋ።

Categories